About Us

Call

+2513-440-403-633

About Tigray Education Bureau

ልኡኽ ቢሮ ትምህርቲ

ልኡኽና ካብ ቅድመ ስሩዕ ትምህርቲ ክሳብ መሰናድኦ ዘድሊ ናውትን ንብርኪ ቤት ትምህርትና ፕሮፋይል ዘማልኡ መምህራንን ኣመራርሓ ትምህርትን ብምጥቃም ፃዕርን ተሳትፎን ሰብ ብፅሒት ብምክታት ሰለጤንን ፅርየትን ትምህርቲ ብምምላእን ብምስትምሃርን ብስነ ዜጋን ስነ ምግባርን ዝተሃነፁ መሰረታዊ ሳይንሳዊ ፍልጠትን ኣገባባትን ዝጨበጡ ንዝቕፅል ደረጃ ክፍልን ሞያዊ ስልጠናን ድልዊ ዝኾኑ ዜጋታት ምፍራይ እዩ ።

ራእይ ቢሮ ትምህርቲ

ራኢና ክሳብ 2022 ዓ.ም ኣብዘሎ እነምህሮም ተምሃሮ ኩለመዳያዊ ስብእንኦም ዝተማልአ፣ ፆታዊ ማዕርነት ዘረጋገፁ፣ በብብርኩ ተወዳደርቲ ፣ ምሃዝትን ምስ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ዝተላለዩ ኮይኖም ምርኣይ እዩ፡፡

ክብርታትና /CORE VALUES/

  • ፍቕሪ፣ ክንክንን ሓልዮትን ተምሃሮ
  • ባህሊ ፈጠራን ተግባራዊ መፅናዕትን
  • ኣሳታፋይነት ትምህርቲ
  • ዘየቋርፅ ሞያዊ ምምሕያሽ
  • ምቅድዳሕ ዝፅየፍ ማሕበረሰብ ትምህርቲ
  • ስርፀትን ምምዕባልን ባህሊ ዲሞክራሲያውነት
  • ፆታዊ ማዕርነት
  • ኣተሓሳስባ ልምዓታዊ ሰራዊት ትምህርቲ
  • ብውፅኢት ተምሃሮ ንልካዕ
  • ዘየቛርፅ ቃልሲ ክራይ ኣካብነት
Share on:
X