ኣብ ቤልጄም ዝርከብ “ተስፋይ association ” ዝተብሃሉ ዉዳበ ንሰለስተ ኣብያተ ትምህርቲ ከተማ ዓዲግራት ሓደ ነጥቢ ሰለስተ ሚልዮን ቅርሺ ሓገዝ ገንዘብ ሂቡ ::

ኣብ ቤልጄም ዝርከብ “ተስፋይ association ” ዝተብሃሉ ዉዳበ ንሰለስተ ኣብያተ ትምህርቲ ከተማ ዓዲግራት ሓደ ነጥቢ ሰለስተ ሚልዮን ቅርሺ ሓገዝ ገንዘብ ሂቡ ::
ተወካሊ ናይቶም ድጋፍ ወሃብቲ ኣካላት ኣይተ ይርጋለም ሓዱሽ ከም ዝበልዎ እቲ ሓገዝ ገንዘብ ንመዐደጊ ወናብርን ናዉቲ ትምህርትን ዝዉዕል እዩ ::
በቲ ሓገዝ ገንዘብ ድማ ቀደማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ምዉፃእ ወርቂ…በዓቲ ቀንዳዕሮን ጎልዓን ተጠቀምቲ ከም ዝኮና ኣረዲኦም ::
ኣብ ከተማ ዓዲግራት ብሓፈሻ ድማ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ወራር ፀላእቲ ዉሽጣዊ ትሕዝቶ ኣብያተ ትምህርቲ ዓንዩ እዩ ዝበሉ ኣይተ ይርጋለም ተወለድትን ፈተዉትን ትግራይ ሓገዞም ከጠናኽሩ ከም ዘለዎም ድማ በዚ ኣጋጣሚ ፀዊዖም ::
ከንቲባ ከተማ ዓዲግራት ኣይተ ሰለሞን ሓጎስ ኣብቲ ምሃብ ሓገዝ ተረኺቦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ድማ ንድጋፍ ወሃብቲ ኣካላት ብምምስጋን ኣብ ዉሽጢ ዓድን ወፃእን ዝርከቡ ተወለድትን ፈተዉትን እቲ ከባቢ ንዳግመ ሕዉየት ከተመኦም ብዕቱብ ክንቀሳቀሱ ኣተሓሳሲቦም
ድሕሪ እቲ ምሃብ ሓገዝ ዘዘራረብናዮም ርእሳነ መምህራንን ተምሃሮን ብወገኖም ኣብ ዝሃቡና ርኢቶ ተመሳሳሊ ሰናይ ተግባር ተጠናኺሩ ክቅፅል ከም ዝግባእ እዮም ሓቢሮም ::
ፍልፍል ድምፂ ወያነ ቴሌቪዥን
ብመዝገበ ጎይተኦም
   

 
Share on:

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

X