ማሕበር ምትሕግጋዝ እንዳባፃሕማ 80,000 ደፍተርን 8000 ቢሮን ሓገዝ ኣበርኪቶም።

ማሕበር ምትሕግጋዝ እንዳባፃሕማ ኣብ ወረዳ እንዳባፃሕማ ኣብ ዝርክባ 26 ኣብያተ ትምህርቲ ትምህርቶም ኣብ ምክትል ንዝርከቡ ተምሃሮ ዝከፋፈል 80,000 ደፍተርን 8000 ቢሮን ብሓገዝ ንቲ ወረዳ ኣረኪቦም ኣለው። ብሹም ህፃናት ትግራይ ክብረት ይሃበልና!
እዘን 26 ኣብያተ ትምህርቲ ብዙሕ ዕንወት ዝበፅሐን ስለዝኾነ ብሙሉእ ዓቕመን ንከገልግላ ዘኽእለን ምምላእ ናውቲ ትምህርትን ፅገና ህንፃታትን ስለ ዝድሊ ሕዚ እውን እዚ ማሕበር ዘለዎ ዓቕምታት ወዲቡ ተስፋ ህፃናት ከምዘሕድስ በዓል ሙሉእ ተስፋ እየ። ውሱን ዘተ እውን ገይርና ኣለና።
ኣብዚ ወረዳ 14,600 ተማሃሮ ትምህርቶም እንዳተኸታተሉ እንትኾኑ ኣብ ዝቕፅል መስከረም እቲ ቁፅሪ ተማሃሮ ልዕሊ 30,000 ከምዝኸውን ትፅቢት ይግበር።
ኩሉ ሰብ በቢዝጥዕሞ ተወዲቡ ትምህርቲ ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስ እጃሙ ይዋፃእ። እቲ ፀገም ተኸፋፊልና እንተዘይፈቲሕናዮ ካብ ዓቕሚ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ወፃእ እዩ።
               
Share on:

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

X