ውፅኢት ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ተምሃሮ ትግራይ ዕላዊ ኾይኑ።

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ሕማም ኮረናን ኲናትን ኣብ 2012 ዓ/ም ክፍተኑ ዝግበኦም ዝነበሩ ተምሃሮ ድሕሪ 4 ዓመት ካብ መስከረም 29 ክሳብ ጥቅምቲ 02/ 2016 ዓ/ም ብዝተረጋገአ መንገዲ ከምዝተፈተኑ ይፍለጥ።

እቲ ውፅኢት ሎሚ 24 ጥቅምቲ 2016 ካብ ሳዓት 3:00 ናይ ምሸት ጀሚሩ ዝተለቐቐ እንትኸውን ተምሃሮ በዌብ ሳይት፡- eaes.et ወይ ቴሌግራም አድራሻ፡- @eaesbot ብምጥቃም ውፅኢቶም ክሪኡ ይኽእሉ እዮም።

ናይ ፈተና ረቋሒ ኣማሊኦም ካብ ዝተፈተኑ ተምሃሮ ተፈጥሮ ሳይንስ 73.09% ሶሻል ሳይንስ 51.38% ብጠቕላላ 66.96% ናብ ዩንቨሲቲ መእተዊ ነጥቢ (50% ልዕሊኡን) ኣምፂኦም ከምዝሓለፉ እንዳገለፅና ዝርዝር ኣሃዛዊ መረዳእታ ብቐፃሊ ክግለፅ እዩ።

እዚ ውፅኢት ዘምፃእኹም ተምሃሮ እንኳዕ ደስ በልኩም እንዳበልና ንዚ ውፅኢት ንክመፅእ ኣብ ፀገም ኮይንኩም ዘይትካእ ግደ ዝተፃወትኩም መምህራን፣ ኣመራርሓ ትምህርትን ወለድን ከምኡ እውን ንተምሃሮ ናይ መዳለዊ ትምህርቲ ክትህቡ ዘኸረምኩም ዩንቨርስታትና ብሹም ማሕበረሰብ ትምህርቲ ትግራይ ልባዊ ምስጋናይ የቕርብ። ሚንስትሪ ትምህርትን ኣገልግሎት ፈተናን ምዘናን እውን ስታንዳርድ ዝሓለወ ፈተና ፈቲኖም ለይትን ቀትርን ብምስራሕ ብእዋኑ ውፅኢት ስለዘፍለጡና ምስጋናና ዝላዓለ እዩ።

መተሓሳሳቢ:-

1.ውፅኢት ንምርኣይ እንትትፍትኑ dsq ዝብል እንተመፂኡ ኣብ 2012 ዓ/ም ናይ 12 ክፍሊ ተምሃሮ ምንባርኩም መረጋገፂ መረዳእታ ዘይተረኸበልኩም ምዃኑ ፈሊጥኩም መረዳእታ እንድሕር ሃልዩኩም ኣብ ድረ ገፅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምዘናን ፈተናን ወይ ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ብኣካል ቅሬታኹም ምቕራብ ትኽእሉ ኢኹም።

2. መሕለፊ ነጥቢ ዝረኸብኩም ተምሃሮ ዩንቨርሲቲ መምርፂ ቅጥዒ ናብ ቤት ትምህርትኹም ስለዝላኣኽ ካብ 25 ክሳብ 26 ጥቅምቲ ናብ ዝተምሃርኩሙሉ ካልኣይ ብርኪ ብምኻድ ክትመልኡ ነፍልጥ። ተመዛበልቲ ተምሃሮ ኣብ ጥቓኹም ዘሎ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ብምኻድ ክትመልኡ ትኽእሉ።

Share on:
X