ካብ ዳያስፖራ ተጋሩ ነበርቲ ቬና ኦስትርያ ዝተልኣኸ 526,800.00 ቅርሺ ኣብ ወረዳ ሰብሓ ሳዕሲዕ ጣብያ ወልዋሎ ቐደማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ወልዋሎ እናተማሃሩ ዘለው ተምሃሮ ን1025 ሕድሕዶም 8ተ ደፍተርን 3ተ ብርዒን (እስክሪቢቶ)፣ 10 ዓብይ ፀሊም ሰሌዳ፣ ሓደ ዴስክቶፕ ኮምፒውተር፣ ሓደ ፕሪንተር ምስ ክልተ ፕሪንተር ቀለሙን 20 ዳስጣ ወረቐት ብትካል ምግባረ ሰናይ፣ መዕብዪ ህፃናትን ሙሉ ኣቢሉ ሓገዝ ተበርኺቱ ኣሎ። ኣብዚ ስራሕ ዝተሳተፍኹም ምስጋና ይብፃሓኹም።